ሒሳብ

ሒሳብ

Course start date: 15 October 2025

እዚ መፅሓፍ እዚ ተምሃሮ ማእኸል ብዝገብርን ኣብ ከይዲ ትምህረቲ ዝበዝሕ ተግባር ብተምሃሮ ክስራሕን ብምሕሳብ ዝተዳለወ እዩ፡፡ ኣቀራርባ ሕድሕድ ትሕዝቶ ትምህርቲ በቢክፍሊ ደረጃ ኣናሰፈሐን እናዓሞቐንክኸይድ እዩ ዝግበር፡፡ ስለዝኾነ ኣብ ሓደ ደረጃ ትምህርቶም ዝተምሃርዎ ንቐፃላይ ደረጃ ከም መሰረት ዝጠቅም ስለዝኾነ ሕድሕድ ተምሃራይ ብዘሳትፍን ኣገባብ ክመሃሩ ምግባር ኣገዳሲ እዩ፡፡ ኣብዚ ክፍሊ እዚ ዝመሃርዎ ቁም ነገር ምስ ኩነታት መነባብረኦምን ከባቢኦምን ክተኣሳሰር ምግባር ድማ ነዚ ኣምር ብዝበለፀ ክግንዘቡ ዝሕግዝ እዩ፡፡ ተምሃሮ ናብ 3ይ ክፍሊ እንትሓልፉ መሰረታዊ ቁፅሪታት፣ መዐቀኒታት፣ ቅርፂታትን ኣተሓሕዛ መረዳእታን ፈሊጦም ከም ዝመፁ ይእመን፡፡ ኣብዚ ድማ ነቶም ሒዞምዎም ዝመፁ ርእሲታት ስፍሕ ብዝበለ ኣገባብ ክቐርቡ ይግበር፡፡ ብዘይ ምጥርጣር ተምሃራይ ኣብ ኣቀራርባ ሒሳብ 1ይን 2ይን ክፍሊታት እኹል ብቕዓት ከምዝጨበጡ ተስፋ እናገበርና እዙይ እውን ኣብዚ ክፍሊ ከምዝቕፅል ምግባር ኣድላዪ ይኸውን፡፡

ልዕል ክብል ከምዝተገለፀ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ተምሃሮ ኣብ ክፍሊ ዝመሃርዎ ትምህርቲ ንክሕዙ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ደገ ውን ክጥቀምሉን ከስተማቕርዎን ምግባር የድሊ፡፡

Self enrolment (Student)
Self enrolment (Student)