ትግርኛ
እዚ ዓይነት ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ 3ይ ክፍሊ ተምሃሮ ብዝግባእ ምድማፅ፣ ምዝራብ፣ ምንባብን ምፅሓፍን ንኽመልኩ ዝተዳለወ መርሃ ትምህርቲ እዩ። ተምሃሮ ክእለታት ንባብን ፅሕፈትን ከመይ ክመልኩ ከምዝኽእሉ ኣንፈት ካብ ዘርእዩ መፅናዕትታትን ውፅኢታውያን ኣገባብ ኣመሃህራን ቋንቋ መሰረት ዝገበሩ እዮም። እዚ መሰረተ ሓሳባት ምድላው መርሃ ትምህርቲ፣ ኣቀራርባታትን ሜላታትን ምስትምሃር ዝሓዘ እዩ። ብተወሳኺ፣ እዚ ተምሃሮ ዝጨበጡዎ ትምህርቲ ንምፍላይን ድጋፍ ሂብካ ዓቕሚ ተምሃሮ ንምዕባይን ዘኽእል ተኸታታሊ ገምጋም ከመይ ከምዝትግበር ዝመርሑ ኣገባባት ዝሓዘ እዩ። እዚ መርሃ ትምህርቲ ተምሃሮ 3ይ ክፍሊ ዓቕሞም ከመይ ከማዕብሉ ከም ዘለዎም የርእይ። ብተወሳኺ እውን ኣብ ክፍሊ ዝቐርቡ ንጥፈታት ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር፣ ተምሃሮ ከለዓዕሉ ብዝኽእሉሉ ኣገባብ ተዳሊዎም እዮም። እዚ ዓይነት ትምህርቲ መሃዝነት ተምሃሮ ብምልዕዓል ብትግሃት ክመሃሩ ዝኽእሉሎም መንገድታት ምምሃር ብዘይ ደረት ዝቕፅሉሉ ኣንፈት ብምንፃር ተዳሊዉ ኣሎ። ስለዚ ኣብዚ ተምሃሮ ልዑል ክእለት ንክህልዎም ግደ መምህራን፥ ግደ ተምሃሮ፥ ግደ ወለድን ግደ ማሕበረሰብን ብዝለዓለ ትኹረት ክፍፅም ኣለዎ።
- Teacher: Geez Education & Training
- Enrolled students: There are no students enrolled in this course.