ትግርኛ
እዚ ዓይነት ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ 7ይ ክፍሊ ተምሃሮ ብዝግባእ ምድማፅ፣ ምዝራብ፣ ምንባብ፥ ምፅሓፍን ሰዋስውን ንኽመልኩ ዝተዳለወ መርሃ ትምህርቲ እዩ። ተምሃሮ ክእለታት ንባብን ፅሕፈትን ከመይ ክመልኩ ከምዝኽእሉ ኣንፈት ካብ ዘርእዩ መፅናዕትታትን ውፅኢታውያን ኣገባብ ኣመሃህራን ቋንቋ መሰረት ዝገበሩ እዮም። እዚ መሰረተ ሓሳባት ምድላው መርሃ ትምህርቲ፣ ኣቀራርባታትን ሜላታትን ምስትምሃር ዝሓዘ እዩ። ብተወሳኺ፣ እዚ ተምሃሮ ዝጨበጡዎ ትምህርቲ ንምፍላይን ድጋፍ ሂብካ ዓቕሚ ተምሃሮ ንምዕባይን ዘኽእል ተኸታታሊ ገምጋም ከመይ ከምዝትግበር ዝመርሑ ኣገባባት ዝሓዘ እዩ። እዚ መርሃ ትምህርቲ ተምሃሮ 7ይ ክፍሊ ዓቕሞም ከመይ ከማዕብሉ ከም ዘለዎም የርእይ። ብተወሳኺ እውን፦ ኣብ ክፍሊ ዝቐርቡ ንጥፈታት ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር፣ ተምሃሮ ከለዓዕሉ ብዝኽእሉሉ ኣገባብ ተዳሊዎም እዮም።
ሰዋስው፦ ቀንዲ ጠመተ እዚ ባእታ ትሕዝቶ ሰዋስው ምስትምሃርን ትኽክለኛ ሰዋስዋዊ ቅርፂ ምጥቃምን እዮም። ትሕዝቶታት ሰዋስው (ረባሕታ ቃላት፣ ግዘ ግስታት፣ ዓይነታትን ተግባራትን ምሉእ ሓሳባት፣ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ቃላትን ተግባሮምን ወዘተ.) ዝሓዙ እዮም።ብሓፈሻ ትምህርቲ እዞም ሸሞንተ ባእታታት ኣብ ምንባብን ምድማፅን ፅሑፋት ዝተመስረተ እዩ። እቶም ንጥፈታት ንኽእለታት ንባብን ምድማፅን ሓሙሽተ ባእታታትን ንባብን ፅሕፈትን ኣብ ምምዕባል ዘተኰሩ እዮም።
ብሓፈሻ እዚ ዓይነት ትምህርቲ መሃዝነት ተምሃሮ ብምልዕዓል ብትግሃት ክመሃሩ ዝኽእሉሎም መንገድታት ምምሃር ብዘይ ደረት ዝቕፅሉሉ ኣንፈት ብምንፃር ተዳሊዉ ኣሎ።
በዚ ድማ ኣብ ክፍሊ ንዝቐርብ ትምህርቲ፣ ቤተሰብን ተምሃሮን ብሓባር ኣብ ገዛ ክቕፅሉሉን ከጎልብቱዎን ባይታ ይፈጥር።
- Teacher: Geez Education & Training
- Enrolled students: There are no students enrolled in this course.