ፊዚክስ

ፊዚክስ

Course start date: 14 October 2025

እዚ ካብ ግእዝ ትምህርትን ስልጠናን ዝዳሎ ን7ይ ክፍሊ ተምሃሮ ዝወሃብ ናይ ፊዚክስ ትምህርቲ ኮይኑ ብዋናነት ተምሃሮ ኣብ መዓልታዊ መነባብሮኦምን ኣብ ዓለምናን ዘጋጥሞም ናይ ፊዚክስ ዓምድታት የተኩር። ተመሃሮ፣ ካብ ሕድሕድ ምዕራፋት እዚ ትምህርቲ እዚ ብዙሕ ፍልጠትን ክእለትን ከማዕብሉ እዮም። ከም መእተዊ እንታይነት ፊዚክስ፣ ግደ ፊዚክስ፣ ምስ ካልኦት ክፋላት ትምህርቲ ዘለዎ ዝምድናን ፍልልያትን፣ ድሕረባይትኡን ብዛዕባ ዓቐናትን ይድህስስ። ብምቕፃል መሰረታዊ ፊዚካዊ ዓቐናትን ዓለም ለኻዊ ኣሃዳትን ብምጥቃም ዝተፈላለዩ ኣካላት ብሳይነሳዊ እንገዲ ምዕቃን ንክኽእሉ ይገብር። ብኽሊእ መዳይ ብዛዕባ ኣብ ቀጥ ዝበለ መስመር ዝግበር ምንቅስቓስ ቁስ ኣካላት፣ ሕግታት ኒውተን፣ ሓይሊ፣ ጉልበት፣ ስራህን ቅልጣፈን ሰፊሕ ፍልጠት ዘቕስም ኮይኑ ተመሃሮ ስለ ኣናእሽቲ ማሽናት፣ ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቓስና ዘለዎም ኣበርክቶን ከመይ ከምዝሰርሑን ክርድኡ ‘ዮም። ብተመስስሊ፣  ምዕቃንን ስኬላትን ረስኒ ከም ኡ ‘ዉን ኣፈላላይ ረስንን ሙቐትን ብዝምልከት ብዝርዝር ክድህሰሱ ‘ዮም። ስለዚ ናይ ፊዚክስ ክፋል ዝኮነ ሜካኒክስ ዝበሃል ዓዉዲ ትምህርቲ መሰረታዊ ፍልጠት ክጭብጡን እዮም።  ስለ ፅንሰሃሳብ ድምፂን ገዋሕታን፣ ኣፈጣጥራ ድምፂን ኣብ ዝተፈላለዩ ቁስ ኣካላት ዝህልዎ ቅልጣፈን ድማ ካሊእ ዓንዲ ናይዚ ተምህርቲ እዩ። አብ መወዳእታ ብዛዕባ ማግኔትን ኣፈጣጥራኡን፣ እንታይነት ምልኢት፣ ኤሌክትሪክ ኮሬንቲን ኣብ ሂወትና ዘለዎም ጥቕምታትን ብምምሃር ይዛዘም። እዚ ትምህርቲ እዚ ክልስ ሓሳባውዊ፣ ተግባራዊን ግራፊካዊን ኣጣሚሩ ዝወሃብ ኮይኑ፤ ተምሃሮ ቀፃላይ ናይ ፊዚክስ ትምሀርቲ ጉዕዘኦም ቀሊልን ምችዉን እንትገብሮ፤ ዓለም ለኻዊ ርድኢቶም ዘስፍሕን ንቅሓቶም ዘመሓይሽን ‘እዩ።

Self enrolment (Student)
Self enrolment (Student)