ሒሳብ
እዚ ትምህርቲ ሒሳብ ንተምሃሮ 7ይ ክፍሊ ዝተዳለወ ትምህርቲ እዩ። እዚ ምልክዕ ብጥራዝ ዝተዳለወን ኣብ
ውሽጡ ሓሙሽተ ዓበይቲ ምዕራፋት ከም ርትዓዊ ቁፅርታት፣ መስመራዊ ምዕሪትን ኢ-ምዕሪትን፣ መጠነ ዝምድና፣
ዓቕነ ዝምድናን ሚኢታዊን፣ ኣትሓሕዛ መረዳእታን ጅኦሜትሪካዊ ምስልታትን ዕቐናቶምን ከምኡ ‘ውን ብርክት
ዝበሉ ንኡሳን ምዕራፋትን ዝሓዘ ኮይኑ ሰራሕኻ ምርኣይ ዝጠልቡን ንምርምር ዝዕድሙን ብርክት ዝበሉ ንጥፈታት
ተኻቲቶምን መጠቓለሊ ትሕዝቶታትን ቀሪቦሙልካ/ኪ ኣለው። ካብዚ ብተወሳኺ ብርክት ዝበሉ መልመድታት ምስ
መልሶም፣ ኣብ ሕድሕድ ምዕራፍ ሕፅር ዝበለ መዘኻኸርን ከምኡ ‘ውን ኣብ መወዳእታ ገፃት እዚ ጥራዝ ሓፀርቲ
ፈተናታትን ተዳሊዎም እልዉ። ሕድሕድ ምዕራፍ ርእስን ንኡስ ርእስን ንዒኻ/ኺ ብዝተኽኣለ መጠን ብዝቀለለን
ብዝርድአካን/ክን ንክቐርብ ብዙሕ ተፃዒሩ እዩ ። ስለዚ ተምሃሮ ኣብዚ ዘለው ትሕዝቶታት ብመሰረት ዝተቐመጠ
ዕላማ ብምስራሕ ትፅቢት ዝግበር ውፅኢት ክተምፅኡ ይግባእ። ናይ ሒሳብ ትምህርቲ ተምሃሮ ኣብ እተፅንዐሉ
እዋን ንሒሳብ ብዝጥዕም ኣገባብ ክኸውን ትፅቢት ይገብር። ሒሳብ ንምርዳእ ዝበለፀ ፃዕርን ደጋጊምካ ምልምማድን
ይሓትት። እዙይ ንኹሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ/ኺ ንዝቀረቡልካ/ኪ መልመድታት፣ ሓፀርቲ ፈተናታትን ብዝግባእ
ስርሓዮም/ሕዮም።
- Teacher: Geez Education & Training
- Enrolled students: There are no students enrolled in this course.