Text size
Line height
Text spacing
እዚ ን1ይ ክፍሊ ዝተዳለወ መርሃ ትምህርቲ፣ ኣካል እቲ ደቅና ብኣፎም ዝኸፈትሉ ቋንቋ ብዝግባእ፣ ምድማፅ፣ ምዝራብ፣ ምንባብን ምፅሓፍን ንክመልኩ ዝተዳለወ ስርዓተ ትምህርቲ ቋንቋ ትግርኛ እዩ። ኣብዚ መርሃ ትምህርቲ፣ ህፃናት ተምሃሮ ፦
ምስ ፊደላት ቋን ቋ ትግርኛ ክላለዩ እዮም።
ፊደላት ቋንቋ ትግርኛ ምስ ምሉእ ሸውዓተ ዘርኦም ክመልክዎም እዮም።
ፊደላት ተጠቒሞም ቃላት ክምስርቱ እዮም።
ቃላት ተጠቒሞም ሓፀርቲ ምሉእ ሓሳባት ክምስርቱ እዮም።
በዚ ኣቢሎም ዓቕምታት ምድማፅ ፣ምዝራብ፣ ምንባብን ምፅሓፍን ከማዕብሉ እዮም።
ሕንፃፃት ምልክቶምን ስሞምን ክፈልጡ እዮም።