ከባብያዊ ሳይንስ

ከባብያዊ ሳይንስ

Course start date: 14 October 2025

እዚ ን4ይ ክፍሊ ዝተዳለወ መርሃ ትምህርቲ፣ ኣካል እቲ ደቅና ዓለም ዝበፅሖ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንክበፅሑ ታሓሳቢ ገይሩ ዝስራሕ ዘሎ እዩ። ኣብዚ መርሃ መርሃ ትምህርቲ፣ ህፃናት ተምሃሮ ፣

  • እንታይነት ምግቢ ይርድኡ። 

  • ዓይነታት ምግቢ ይግንዘቡ።

  • እንታይነት ዝተመጣጠነ ምግቢ ይፈልጡ።

  • ከይዲ ሕቀተ ምግቢ ኣብ ሰውነትና ይፈልጡ።

  • ስራሕ ኣካላት ሕቀተ ምግቢ ኣብ ሰውነትና የናፃፅሩ።

  • እንታይ ዑደት ደም ይርድኡ። 

  • ኣካላት ስርዓተ ደም ይፈልዩ።

  • ቀንዲ ስራሕ ልቢ ይርድኡ።

  • ኣብ እዋን በፅሒ ተባዕትዮ ኣንስትዮን ዝረኣዩ ሓደ ሓደ ስነ ህይወታዊ ለውጥታት ይፈልጡ።

  • ኣብ እዋን በፅሒ ኣንስትዮን ዝረኣዩ ሓደ ሓደ ስነ ህይወታዊ ለውጥታት ይፈልጡ።

  • እንታይነት ምጣነ ስድራ ይግንዘቡ።

  • ረብሓ ምጣነ ስድራ ይፈልጡ

  • እንታይነት ሕማም ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ይርድኡ።

  • መማሓላለፊ መንገድታት ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ይፈልጡ።

  • መካላኸሊ መንገድታት ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ይግንዘቡ።

Self enrolment (Student)
Self enrolment (Student)