Enrolment options
ሒሳብ
እዚ ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ርእስታት ዝሓዘ ኮይኑ፣ ንተማሃሮ ደረጃ ብደረጃ ኣፍልጦኦም ንምዕባይ ዝሕግዝ እዩ። እቲ ትምህርቲ ብ መቁፀሪ ቁፅርታት ክሳብ 9 ይጅምር፣ እዚ ድማ ቁፅርታት ካብ 1 ክሳብ 9 ምፅሓፍ፣ ምውድዳር (ብምልክታት <, >, = ከምኡ'ውን በዝሒ ስእሊ ምስ ቁፅሪ ምዝማድ)፣ ከምኡ'ውን ሕንፃፃት ደጋጊምካ ምፅሓፍ የጠቓልል። ቀጺሉ፣ ተምሃሮ ምድማርን ምጉዳልን ክሳብ 9 ዘለዉ ቑፅርታት ክኽእሉ ይገብ፡ ማለት እዉን ምድማር ቁፅርታት ክሳብ 5፣ ምጉዳል ክሳብ 9፣ ምድማር ሰለስተ ተደመርቲ ድማሮም ካብ 9 ዘይበልፅ ብምቑፃር፣ ብሕንፃፅ ቁፅሪ ወይ ብሰደቓ ምጥቃም ይሽፍን። ተማሃሮ ን ሙሉእ ቁፅርታት ካብ 0 ክሳብ 20 ይለማመዱ፣ ቅደም ሰዓቦም፣ ቀዳማይን ሰዓባይን ምፍላይ፣ ምውድዳር፣ ከምኡ'ውን ስርዓት ዋጋ ዓድታት (ዋጋ ዓዲ ዓሰርተን ዓዲ ሓደን) ይረድኡ። እቲ ስልበስ፣ ን ምድማርን ምጉዳልን ሙሉእ ቁፅርታት ክሳብ 20 ብሕንፃፅ፣ ብሰደቓ፣ ብምትንታን ተደመርቲ ወይ ብትኹል ምድማር/ምጉዳል የሕልፍ፣ ከምኡ'ውን ቃል ግድላት አብ ምድማርን ምጉዳልን የካትት። ብተወሳኺ፣ ተማሃሮ ን ባህላዊን ዘመናዊን መዐቀንታት ንውሓት፣ ትሕዝቶ (ሙሉእ፣ ጎደሎን ባዶን ምፍላይ) ከምኡ'ውን ክብደት ይምሃሩ። መሰረታዊ ጉዚታት ከም ፍርቂ፣ ርባዓት፣ ከምኡ'ውን ሲሶታት ይርድኡ። እቲ ዓይነት ትምሀርቲ ን ምርባሕ ብ 2 ክሳብ 20 ከም ምድማር ወይ በቢ 2 ምምዳብ፣ ከምኡ'ውን ን ምምቃል ብ 2 ብዘይተረፍ (ብምልክት ምምቃልን ብሕንፃፅ ቁፅሪ ምምቃል) ይሽፍን። ን መስመርን ቀለልቲ ቅርፅታትን ከም ቅኑዕን ልዋይን መስመር፣ ክቢ፣ ስሉስ ኩርናዕ፣ ትርብዒት፣ ሬክታንግል የመልክት። ተወሳኺ ድማ፣ ተማሃሮ ን ሙሉእ ቁፅርታት ክሳብ 100 (ርባሕ 10፣ ቁፅርታት ካብ 21 ክሳብ 100 ብዓድታት ምግላፅ፣ ቕደም ሰዓብ፣ ቀዳማይን ሰዓባይን ምፅሓፍ) ይመሃሩ። ብተግባራዊ መዳይ፣ ስልበሱ ን ገንዘብ ኢትዮጵያ (ሳንቲምን ብርን፣ ስሞምን መልክዖምን፣ ርክቦም፣ ምድማርን ምጉዳልን፣ ቃል ግድላት) የፍልጥ። ኣብ መወዳእታ፣ ትምህርቲ ንሓሳባት ግዜ (ቀትርን ለይትን፣ ሰዓትን ደቂቃን፣ መዓልትታት ሰሙን፣ ኣዋርሕ ዓመት) ከምኡ'ውን ንመሰረታዊ ኣተሓህዛን ከይዲ ስርዓትን መረዳእታ (ምስልታት፣ ባር ግራፍ፣ ቀሊል ከይዲ ስርዓት መረዳእታ) የካትት።
- Teacher: Geez Education & Training
- Enrolled students: 7