Text size
Line height
Text spacing
ኣብ ቀፀልቲ 6 ሰሙናት ኣብ ዝተመረፁ ርእስታት ናይ 7ይን 8ይን ክፍልታት ኣትኩርና ንተምሃሮና ብኦን ላይን ቲቶሪያል ትምህርቲ ንምሃብ ተሓሲቡ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ተምሃሮ ኣብዚ ብርኪ ብዘሎ ትምህርቲ ኣብ ዝማዕበለ ፍልጠት ንምብፃሕን፣ ኣተሓሳስባን ክእለትን ተምሃሮና ንምድልዳልን ተወሳኺ ትምህርቲ /ቲቶሪያል/ ንኽረኽቡ ዝዓለመ እዩ። ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ተምሃሮና ተወሳኺ ናይ ሒሳብ ፍልጠት፣ ሰሓባይ ዝኾነ ኣገባባት ተፍትሽ፣ ብተግባርን ብግራፊክስ ዝተደገፈ ናይ ሒሳብ ትምህርቲ፣ ሒሳብ ከመይ ብኦን ላይን ምምሃር ከምዝከኣል ምልላይን ይኸውን፡፡