ሒሳብ

ሒሳብ

Course start date: 15 October 2025

ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ተምሃሮ ክሕዝዎ ዝግባእ ክእለትን ፍልጠትን ዉሱን እዩ። ቅድም ክብል ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ ዝተምሃርዎ ትሕዝቶታት ብምስፋሕ  ቁፅሪታት የቆፅሩ፣ ስልሒታት ምፍታሕ ቃል ግድላትን ክምሃሩ ክግበር እዩ። እዚ ንምፍፃም ተምሃሮ ማእኸል ብዝገብርን ኣብ ከይዲ ትምህርቲ ዝበዝሑ ተግባራት ትምህርቲ ብተምሃሮ ክስርሑ ምግባር፣ ኣብ ከባቢኦም ምስ ዝርኢዎም ነገራት ክተኣሳሰር ምግባር ኣድላዪ እዩ። እዚ እንትፍፅሙ ድማ ኣብዚ ክፍሊ እዚ ዝተምሃርዎ ትሕዝቶ ንቐፃላይ ደረጃ ከም መሰረት ዝጠቅም ስለ ዝኾነ ኣብ ሲለበስ ተዘርዚሮም ቀሪቦም ዘለዉ ብቕዓታት ክጭብጡ ኣብ ምግባር ዝለዓለ ፃዕሪ ከም ዘድሊ ክንሕብር ንፈቱ። ኣብ መወዳእታ እዚ መፅሓፍ ዝመሃርዎ ቁም ነገር ምስ ኩነታት ምነባብሮኦምን ከባቢኦምን ክተኣሳሰር ምግባር ድማ ነዚ ኣምር ብዝበለፀ ክግንዘቡ ዝሕግዝ እዩ።  

ተምሃሮ ናብ 2ይ ክፍሊ እንትሓልፉ መሰረታዊ ቁፅሪታት፣ መዐቀኒታት፣ ቅርፂታትን ኣተሓሕዛ መረዳእታን ፈሊጦም ከም ዝመፁ ይእመን፡፡ ኣብዚ ድማ ነቶም ሒዞምዎም ዝመፁ ርእሲታት ስፍሕ ብዝበለ ኣገባብ ክቐርቡ ይግበር፡፡ልዕል ክብል ከምዝተገለፀ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ተምሃሮ ኣብ ክፍሊ ዝመሃርዎ ትምህርቲ ምስ ዕለታዊ መነባብሮኦም ዝተኣሳሰሩ ንጥፈታት ኣብ ደገ ንምትግባር ተጠቀምቲ ንኑ ንምግባር እዩ፡፡

ተምሃሮና መሰረታዊ ፍልጠት ሒሳብ እንትመሃሩ ኣብ ዓለም ተወዳደርቲ ንክኾኑ ይግባእ ፡፡ስለዝኑ ድማ ተምሃሮ ንባዕሎም ኣፀቢቖም ንክሓስቡን ፀገማት ከመይ ከምዝፍትሑን ክመሃሩ ይግባእ፡፡

Self enrolment (Student)
Self enrolment (Student)